ብዑደት ቐዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ቻይና ተቖጢዓ…

መቐለ 03 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ቻይናን ህንድን ንነዊሕ እዋን ከዋጥጠን ኣብ ዝፀንሐ ዶብ ሴሜናዊ ምብራቕ ቐዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዑደት ምግባሮም ቻይና ከምዘቖጠዓ ተሓቢሩ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣሩናቻል ፓርደሽ ኣብ ዝተብሃለት ክልል ዑደት ምግባሮም ስዒቡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብቲ ክልል ብመራሕቲ ህንዲ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብትሪ ተቓዊሙዎ እዩ።

ዑደት ናሬንድራ ሞዲ ኣብቲ ከባቢ ድማ ኣካል ብተኸታታሊ ምስ ህዝቢ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣኼባታት ከምዝኾነን ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጉንበት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ መረፃ ዉድቦም ድጋፍ ንክረክብን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።