ምጥያሽ ሓዱሽ ካቢኔ ኣልጀርያ-------

መቐለ 05 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልጀርያ ቡረዲን በዳዊ ንኩሎም ዜጋታት ዝሓቀፍ ሓዱሽ መንግስቲ ከምዘጣይሽ ገሊፆም።

በዳዊ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናዕቢ ስዒቡ ንነበር ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣሕመድ ኣያሕያ ተኪኦም ኣብዚ ሰሙን ናብ መሪሕነት ዝመፁ እዮም።

ካብ ዝቅፅል ሰሙን ጀሚሮም ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ዘጣይሹ ኮይኖም ካብ ደገፍትን ተቃወምትን መንግስቲ ኣልጀርያ ዝኮኑ መናእሰይ ኣባላት ካቢኔ ከምዘጣይሹ ቃል ኣትዮም።

ኣብታ ሃገር ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መረፃ ክናዋሕ ዝተደለየሉ ምክንያት ድማ ምእንተ ረብሓ ህዝቢ ተባሂሉ ምኳኑ ገሊፆም።