ኣብ ማላዊ ብሓደጋ ውሕጅ 80ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ማላዊ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 80ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝወቅዕ ዘሎ ሓያል ዝናብ ልዕሊ 100 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 80ሽሕ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ እውን ኣልጀዚራ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ሕዚ እውን ማዕበል ዝሓዘለ ሓያል ዝናብ ይቕፅል ብምህላዉ ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሃገር ስግኣት ፈጢሩሎም ምህላዉ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።