ፕረዝደንት ኣልበሽር ምምዕርራይ ካብኔ ሚኒስትራት ጌሮም…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምምዕርራይ ካብኔ ሚኒስትራት ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝተፈጠረ ናህሪ ዋጋ ምግብን ነዳድን ኣብ ጐንፂ ትርከብ ሱዳን ነቲ ተቋውሞ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ትወስድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣፍሪካ ኒውስ ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ሱና ፀሪሑ ከምዝሓበሮ ድማ ፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር 15 ሓደሽቲ ካብኔ ሚኒስትራት ብምምራፅ ምምዕርራይ ካብኔ ሚኒስትራት ጌሮም ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሽሕ እኳ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ፅዕንቶታት ይበፅሖም እንተሃለዉ ሚኒስትራት እታ ሃገር ብሓደሽቲ ክትክኡ ጌሮም ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ኣዋጅ እቶ እቶ ዝኣወጀት ሱዳን ላዕለዎት መሪሕነት እታ ሃገር ብወታሃደራዊ ሓይልታት ክኸውን እውን ምግባራ ይዝከር።