ጣልያን ኣብ ጉዳይ ሊቢያ ርኢቶ ሂባ

መቐለ 06 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ዘይምርግጋዕ ሊቢያ ንምፍታሕ ወታሃደራዊ ኢድ ኣታውነት መፍትሒ ኣይኮነን ኢላ ጣልያን።

ኣብ ሊቢያ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንምፍታሕ ወታሃፈደራዊ ኢድ ኣታውነት ወፃኢ መፍትሒ ክኾን ኣይክእልን ዝበለት ጣልያን እንተኾይኑ ግን ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያ ቅልውላው ስደተኛታት ከጋድዶ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጅስፔ ኮንቴ፣ ሃገሮም ደጊሱ ዘሎ ቅልውላው ሊብያ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ፃዕሪ ትገብር ከምዘላ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ሊቢያ ኣብ ሞንጎ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ትሪፖሊን ዓመፅቲን ብዝተፈጠረ ሓዱሽ ጎንፂ ዛጊድ ልዕሊ 4ሽሕ ነበርቲ ትሪፖሊ መረበቶም ገዲፎም ከምዝለቐቑ ፀብፃብ ሚድል ኢስት ሞኒተር የመልኽት።