ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ተጠቃዕቲ ወልፊ ይውስኽ ኣሎ

መቐለ 06 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ 30 ክሳብ 40 ሚኢታዊ ዝፅጋዕ ቁፅሪ ዜጋታት ብዝተፈላለዩ ወልፊ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ከምዝበልኦ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዕድመ መንእሰይነት ዝርከቡ ኣብዝሓ ዜጋታት ወልፊ ዝተፈላለዩ መዐወኒ እፃት ኣለዎም።

ነዚ ንምክልኻልን ኣፍራይ ዜጋ ንምፍራይን ድማ ኩሉ ማሕበረሰብ ዜግነታዊ ግብኡ ክዋፃእ ኣለዎ ኢለን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሃገራዊ ፅልዋታት ወልፊ መንእሰይ ንምክልኻል ኣብ ኩለን ክልላት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምልዕዓል ከምዝካየድ ዶክተር ኣርጎጌ ኣምልኪተን።