ርክብ ኣሜሪካን ሩስያን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ እዋን ሐዚ እዩ - ቭላድሚር ፑቲን

መቐለ 07 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ርክብ ኣሜሪካን ሩስያን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ እዋን ሐዚ እዩ ኢሎም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡፡

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ትማሊ ኣብ ሩስያ ከተማ ሶቺ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮ ተራኺቦም ኣብ ዝዘተዩሉ እዋን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሮበርት ሙለር ካብ ዝቐረበሎም ክሲ ነፃ ምዃኖም ስዒቡ ርክብ ኣሜሪካን ሩስያን ናብ ንቡር ንምምላስ ድሌት ከምዘለዎም ምግንዛቦም ገሊፆምሎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብስልኪ ክዘራረቡ ከም ዝደልዩን ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ኣፈላላይ ሓበራዊ ድሌታቶም ብዘማልእ መንገዲ ንምፍታሕ ከምዝፅዕሩን ኣረጋጊፆምሎም እዮም፡፡

ማይክ ፖምፕዮ ብወገኖም ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ዝኾኑ ድሌታት ከምዘለውን ብሓባር እንድሕር ሰሪሐን ድማ ውፅኢታዊ ክኾና ከምዝኽእላን ኣብ ዝብል ጉዳይ ተሰማዕሚዖም እዮም፡፡