ሃንጋሪ ፀረ-ነፈርቲ ሚሳይል ካብ ኣሜሪካ ክትዕድግ እያ…

መቐለ 11 ግንቦት 2011(ድምፂወያነ) ሃንጋሪ ካብ ኣሜሪካ ፀረ-ነፈርቲ ሚሳይል ንምዕዳግ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሃንጋሪ ቪክተር ኦርባን ከምዘፍለጥዎ ሃገሮም ማእኸላይ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳይል ፀረ-ነፈርቲ ካብ ኣሜሪካ ንምዕዳግ ተሊማ ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ።

ኦርባን ኣብ ሓደ ጣብያ ራድዮ ሃገሮም ቐሪቦም ኣብዝሃብዎ መግለፂ ብዛዕባ እቲ ስምምዕነት ዕድጊት ሚሳይል ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ድማ ኣብ ቐረባ እዋን መግለፂ ከምዝውሃብ ሓቢሮም እዮም።

ህንፀት ዘመናዊ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ድማ ብፅቡቕ ኩነታት ይሳለጥ ምህላዉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።