ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግብፂ ኣትዮም

መቐለ 02 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ግብፂ ኣትዮም።

ፕረዝደንት ኢሳያስ ናብ ግብፂ ዘምርሑ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ምዃኑ ሚኒስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገፆም ሓቢሮም።

ፕረዝደንት ኢሳያስ ምስ ግብፃዊ መዘነኦም ፕረዝደንት ኣልሲሲ ተራኺቦም ኣብ ዝዝትዩሉ እዋን ኣብ ምጥንኻር ክልቲኣዊ ርክባት፣ሓደሽቲ ምዕባላታት ኣህጉር ኣፍሪካን ካልኦት ዛዕባታትን መሰረት ገይሮም ከምዝዝትዩ ኣፍሊጦም ኣለው።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተራኺቦም ኣብ ዙርያ ውጥረት ሩባ ኣባይን ፀጥታዊ ጉዳያትን ምዝታዮም ዝዝከር እዩ።

እቶም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሱዳን ኣመልኪቶም ከምዝዝትዩ’ውን ፀብፃብ ኣፍሪካን ኒውስ ኣመልኪቱ ኣሎ።