22 ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሒኖም…

መቐለ 03 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ን22 ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ኣድሒኖም።

እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ተውፃእፂኦም ብባሕሪ ሜዲትራንያን ከቃርፁ ዝሓሰቡ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ምዕራባዊ እቲ ባሕሪ ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን ሓደጋ ማዕበል ገጢምዎ እዩ።

እቶም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብዘካየድዎ ፃዕሪ ድማ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ሓደጋ ከምዘድሓንዎም እዩ ፀብፃብ ዥንዋ ዘመላኽት።

እቶም ስደተኛታት ካብ ርእሰ መዲና ሊበያ 70ኪሎ ሜትር ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ማዓስከር ስደተኛታት ከዕቁቡ ተጌሩ ከምዘሎ እውን እቲ ፀብፃብ የረድእ ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ተዘሓሒሉ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ስደት እቲ ከባቢ ሐዚ ድማ ከምብሓዱሽ ይጋደድ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።