ሃገራዊ ፈተና 10ይ ክፍሊ ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ…

መቐለ 03 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ሎሚ ዝጅምር ሃገራዊ ፈተና ብሰላም ንክዛዘም ብኹሉ መዳይ ምትሕብባር የድሊ ተባሂሉ።

ካብ ሎሚ 3 ሰነ 2011ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 14 ሰነ 2011ዓ.ም ኣብ መላእ ሃገር ንዓሽራይን 12ን ሃገራዊ ፈተና ንሻምናይ ድማ ክልላዊ ፈተና ክውሃብ እዩ።

ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይን 12ን ኣብ 2ሽሕን 866 መፈተኒ ጣብያታት ዝውሃብ እንትኸውን 82 ሽሕን 785 መምህራን መተሓባበርትን ነዚ ስራሕ ተመዲቦም እዮም ኢሉ ኤጀንሲ ሃገር-ለኸ ፈተናታትን ምዘና ትምህርትን ሃገርና።

በዝሒ ንሃገራዊ ፈተና ዝቕመጡ ተምሃሮ ድማ ዓሽራይ ክፍሊ 1 ሚልዮንን 277ሽሕን 552፣ 12 ክፍሊ 322ሽሕን 729 ተምሃሮ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ሃገራዊ ፈተና መፃኢ ዕድል እዞም ተምሃሮ ዝውስን ብምዃኑ ፍሉይ ትኹረት ክግበረሉ ይግባእ ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ብፍላይ ወለዲ፣ መምህራን መተሓባበርትን ፈተንትን ተምሃሮ ብስነ-ምግባርን ስነ-ልቦናን ተረጋጊዖም ንክፍተኑ ዝግባእ ሓገዝን ምኽርን ክህቡ ድማ ኣፍሊጡ ኣሎ።