ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ራማ 316 ተምሃሮ ኣመሪቑ…

መቐለ 03 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ራማ ንፈለማ እዋን ብብርኪ ክልተን ኣርባዕተን ዘሰልጠኖም 316 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

እቲ ኮሌጅ ኣብ 2012 ዓ/ም ኣብ ከባቢታት እንዳገርግስን ክሳድ ዒቃን ዝነብሩ 40 ኤርትራውያን መናእሰይ ሞያዊ ስልጠና ንምሃብ ወሲኑ ኣሎ።

ኣብ መፋርቅ 2009 ዓ/ም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝጀመረ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ራማ ንፈለማ እዋን ብብርኪ ክልተን ኣርባዕተን ብዓይነታት ሞያ ሓፂነመፂን ኣካውንቲንግ ዝርገሐ ማይ ኤሌክትሪክን ካልኦትን ትሸዓተ ዓይነታት ሞያ ዘሰልጠኖም 136 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 316 ተምሃሮ ኣመሪቁ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቃ ተረኪቦም ፀብለልታ ንዘርኣዩ ተምሃሮ ሽልማት ዝሃቡ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ መረብለኸ ኣይተ ፍፁም ለገሰ ብቀረባ ዘይትረክብዎም ዝነበርኩም ሞያታት ብቀረባ ክትረክቡ ምክኣልኩም ፍናን ክስመዐኩም ይግባእ ብምባል ብዝረከብክምዎ ሞያን ብቅዓትን ብዘይቃለዓለም ከይተምሃረ ዘምሀረኩም ሕብረተሰብ ክተገልግሉ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ተመረቅቲ ስራሕ መንግስቲ ከይተፀበዩ መሃዝትን ስራሕ ፈጠርትን ንምካን ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ከም ዝገብር ድማ እቶም ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ኣረጋጊፆም ።

ዲን ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ራማ መምህር ነጋሲ በላይ ብወገኖም ሰልጠንቲ ብኽእለት ብቑዓት ኽኮኑ ሰፊሕ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ብምግላፅ እቲ ኮሌጅ ኣመሪቀ ክብል እንተኮኑ እቶም ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ተመረቅቲ ምስዕዳጋ ክተኣሳሰሩ ከም ዝግባእን እዚ ንምዕዋት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ከም ዝሰርሑን ኣረዲኦም።

መምህ ነጋሲ ኣብ ፀብፃቦም ምሕዝነት ክልተ ኣሕዋት ንምጥንኻር ብምሕሳብ ኣብ ክሳድ ዒቃን እንዳገርግስን ዝነብሩ 40 መናእሰይ ኤርትራውያን ብዝመረፅዎ ዓይነት ሞያ ስልጠና ክረክቡ ኮሌጆም ከም ዝወሰነ ተዛሪቦም።

ካብቶም ተመረቅቲ ዘዘራረብናዮም ባህኣበሎም ጎበዛይን የማነ ገረዝሄርን ኣብ ቀረበኦም ከምዚ ዓይነት ሞያዊ ስልጠና ምርካቦም ከም ዘሐጎሶም ብምግላፅ ስራሕ ከየማረፅና ነባዕልትናን ሕብረተሰብናን ንምልዋጥ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።