ማይክ ፓምፕዮ ኣብ ጉዳይ ኩባንያ ህዋዌ ዝሃብዎ ሓሳብ ዘተስሓሓተ እዩ-ቻይና…

መቐለ 04 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፕዮ ኣብ ዙርያ ቴሌኮም ህዋዊን ካልኦት ኩባንያታትን ቻይና ኣድሂቦም ዝሃብዎ ሓሳብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ አዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ገንግ ሽዋንግ ገሊፆም።

ከም ገለፃ እቶም ወሃቢ ቃል ማይክ ፓምፕዮ ኣብ ዙረያ ህዋዌን ካልኦት ኩባንያታት ቻይናን ኣድሂቦም ምስ ሚድያ ስዊዝ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትትን ዝሃብዎ መብረሂን ፍፁም ጌጋን መዋቕዕን ሓሳብ እዩ።

ምስ ኩባንያ ህዋዌ ሓቢርካ ምስራሕ ማለት ድሕንንት መረዳእታታትኻን ሚስጢራዊ ፀጋታትኻን ብቐሊሉ ክቓልዐ ምግባር ማለት እዩ ዝበሉ ማይክል ፓምፕዮ ምስ ዓበይቲ ኩባንያታት ቻይና ተሓባቢረካ ምስራሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም ኣለዉ።

ይኹን እምበር ኣሜሪካ ክሳብ ሕዚ ብኩባንያ ህዋዌ ዝተፈጠረ ፀገም ምህላዉ መረጋገፂ የብላን ክብሉ ድማ እቶም ወሃቢ ቃል ዓፀፋዊ ምላሽ ሂቦም።

ብምዃኑ ድማ ሃገራት ኣውሮፓ ይኹን ካልኦት ሃገራት ዓለም ብመዋቕዒ ሓሳብ ኣሜሪካ ከይታለላን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ድማ ክጥቀማን ኣተሓሳሲቦም።

ንግዳዊ ኲናት ክልቲኤን ወነንቲ ገዚፍ ቑጠባ ዓለም ዝኾና ኣሜሪካን ቻይናን ሕዚ እውን ክነቐፀላ ይርከባ።