ታሊባን ኣብ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ክፍፀም ከምዘኽእል ኣጠንቂቑ።

1 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)ጉጅለ ዕጡቕ ታሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ክካየድ ኣብ ዝሕስብ ፕረዚደንታዊ መረፃ መጥቃዕቲ ክፍፀም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።   ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መረፃ መሕፈሪ እዩ ዝበለ ታሊባን እቲ መረፃ ንኸይካየድ ኩሎም ዕጡቓት ዝከኣሎም ፃዕሪ ንክገብሩን ህዝቢ እታ ሃገር ካብቲ ክፍፀም ዝኽእል መጥቃዕቲ ዓርሱ ክከላኸልን ፀዊዑ ኣሎ።   መረፃ ካብ ምክያድ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ዝሓበረ ታሊባን እታ ሃገር ኣደዳ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ክትኸውን ከምዘይብላ ኣተሓሳሲቡ።   ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ኣብቲ መረፃ ን2ይ ግዘ ብዓብላልነት ክዕወቱ ከምዝኽእሉ ካብ ብሐዚኡ ግምት ዝተውሃቦም ኮይኑ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንኽካየድ ይፅዕሩ ምህላዎም ድማ እናተገለፀ እዩ ከም ፀብፃብ CGTN።