ቡን ኢትዮጵያ ተወዳዳራይ ንክኸውን ሓገዝ 15 ሚልዮን ዩሮ ኣበርኪቱ………

መቐለ 01 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሕብረት ኣውሮፓ ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳራይ ንክኸውን 15 ሚልዮን ዩሮ ብመልክዕ ሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ሕብረት ኣቋሪፅዎ ዝነበረ ሓገዝ ከም ብሓዱሽ ምጅማሩ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣይተ ሳኒ ረዲ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ሳኒ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሃገራት ኣውሮፓ ቡን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዕዳጋ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ንዕዳጋ ቡን ሃገርና ዓብይ ሓገዝ ዝገብር ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሳኒ ስራሕቲ ክትትልን ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲን ዝሳለጥ ምዃኑ ተዛሪቦም።

እቲ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተረኸበ ሓገዝ 15 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ቡን ዘለዉ ፀገማት ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ዝሓሸ ምህርቲ ክህሉን ዓይነታት ቡን ንምስፍሕፋሕን ከምኡ እውን ብጥረ ካብ ምልኣኽ ክብሪ ወሲኽካ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ንምቕራብ ዝሕግዝን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።