ኣብ ወያነ ኢንዳስትሪን ግደ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ዝዝቲ መድረኽ ይካየድ ኣሎ………

መቐለ 05 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ልዕሊ 150 ሙሁራን ሃገራት ማሕበር ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ጉዳይ ወያነ ኢንዳስትሪን ግደ ዝሰልጠነ በዓል ሞያን ትኹረት ዝገበረ ዘተ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ብሩነይ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ን2ተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኮይኑ ኣብ ወያነ ኢንዳስትሪ እተን ሃገራት ዝለዓለ ግደ ዝፍፅም በዓል ሞያ ኣብ ምፍራይን ምትሕብባር ልምዓት ሓይሊ ሰብን ትኹረት ዝገበረ እዩ።

እቲ ዘተ ሓዱሽ ዘበነ ወያነ ኢንዳስትሪ 4ይ ንምትግባር ዕድል ዝፈጥር እዩ ክብል ድማ ዥነዋ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ጉባኤ ብዜካ ኣባል ሃገራት ማሕበር ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ሃገራት ቻይና ፣ ጃፓን ፣ደቡብ ኮርያ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝን ኣሜሪካን ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ብዜካ እዚ ኣብ ትካል ባህሊ ፣ ሳይንስን ትምህርትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ለኸ ትካል ሰራሕተኛታትን ሰብ ሞያ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።