150 ሚልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ………….

መቐለ 05 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ 2012 ዓ/ም በጀት ዓመት ልዕሊ 150 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዋጋ ዘለዎም ምህርትታት ሕርሻን ተዋፅኦ እንስሳትን ናብ ዕዳጋ ዓለም ከምዘቕርብ ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ምህርትታት ሕርሻ ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ 2011 ዓ/ም ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣብ ዝገምገመሉ እዋን ኣብዚ ዓመት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኹ 750 ሽሕን 595 ኩንታል ምህርትታት ሰሊጥ፣ ኣትክልትን ፍራምረን ከምኡ እውን ተዋፅኦ እንስሳትን 124 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ ኣሎ።

ኣብቲ ኤጀንሲ ዳይረከተር ዳይሬክቶሬት ልምዓታዊ ትልምን ሓይሊ ሰብን ኣይተ ፍፁም ሓድጉ ከምዝበልዎ ኣብ 2011 ዓ/ም ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐረበ ምህርቲ ሰሊጥ ብበዝሒ ዝተልኣኸ ናብ ሃገራት ቻይናን እስራኤልን ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝቐረበ ምህርትን ዝተረኸበ ሸርፊ ወፃኢን ኣብ ዝተትሓዘ ትልሚ ብ20 ሽሕ ኩንታልን 4 ሚልዮን ዶላርን ሓለፋ ዘለዎ እዩ።

ኣብ 2012 ዓ/ም ድማ ልዕሊ 900 ሽሕ ዝተፈላለዩ ምህርትታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ 150 ሚልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ መደብ ሒዙ ከምዘሎ እቲ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።