ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምዝውዋር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ…

መቐለ 06 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሩዋንዳ ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምውፃእ ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ተሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ኣብ ዝፈፀም ስምምዕነት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንከመሓላለፍ ተወሲኑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መፈለምታ ቐፃሊ ሰሙን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ካብ ዝርከቡ ኣስታት 4ሽሕን 700 ስደተኛታት እቶም 500 በቲ ሓዱሽ መስርሕ ዝውውር ከምዝመሓላለፍ ኣቐባሊ ቃል ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገባር ባሎች ገሊፆም።

መንግስቲ ሩዋንዳ ድማ ነቶም ስደተኛታት ተቐባሊ ዘድሊ ሓለዋ ከምዝገብሮሎምን ብመሰረት ድሌት እቶም ስደተኛታት ከምዝፍፁምን ተገሊፁ።

ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ ግቡእ ሓለዋ ካብ ምግባር ጀሚሩ ምግቢ፣ ማይ፣ መፅለሊ፣ ትምህርትን ጥዕናን ሓዊሱ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቕርብ ፀብፃብ CGTN AFRICA ኣመላኺቱ።