ምምዕባል ሚሳይልዛዕባ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ክኸዉን ኣይግባእን- ሰሜን ኮርያ

መቐለ 27 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ጉዳይ ምምዕባል ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ዛዕባ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ክኸዉን ከምዘይብሉ ሰሜን ኮርያ ኣጠንቂቓ።

ንዓመታት ዝዘለቐ ዉጥጥ ምምዕባል ሚሳይል ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ናብ ዝኸረረ መንፈስ ንሕንሕ ይኣቱ ኣብ ዘለሉ እዋን ብድፍኢት ጀርመንን ሓገዝ እንግሊዝን ፈረንሳይን እቲ ጉዳይ ኣብ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ዛዕባ ክኸዉን ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ሰሜን ኮርያ ኪም ሰንግ ንተበግሶ ጀርመን፣ እንግሊዝን ፈረንሳይን ዝደፍእ ዘሎ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣሜሪካን ተኸተልታን እዚ ዛዕባ አዚ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት እንተድኣ ኣልዒላ ኣጀንዳ ገይራቶ ሰሜን ኮርያ ዓርሳ ንምክልኻል ዘኽእላ ኩሉ ዓይነት ኣማራፂ ክትወስድ እያ ኢሎም።

ነዚ ዉጥጥ መበገሲ ዝኾነ ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም.ፈ ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ዘካየደቶ ዘተ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዘመረቐቶ ባላስቲክ ሚሳይል ምዃኑ ይግለፅ ኣሎ። ከም ፀብፃብ ኣልጀዚራ።