ኣብ ማሊ ኣባላት ኣኽባሪ ሰላም ተቀቲሎም ተባሂሉ

መቐለ 27 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ማሊ ኣባላት ኣኽባሪ ሰላም ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓድን ዝወፀሉ ከባቢ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ 4 ኣባላት ኣኽባሪ ሰላም ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ተቐቲሎም ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ድማ ቆሲሎም እዮም።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ኣካላት ዛጊድ ከምዘይተፈለጡ ፖሊስ እታ ሃገር ዕላዊ ገይሩ።

ኣዛዚ እቲ ኣብ ማሊ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም ማሃማት ሳለህ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣነዋሪ ተግባር ክብሉ ኮኒኖምዎ ኣለዉ።