ኣብ ሊብያ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኮኒኑ

መቐለ 28 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን መሰረተ ልምዓት እታ ሃገርን ዝበፅሕ ዘሎ መጥቃዕቲ ከምዝኹንኖ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሊብያ ምክትል ፍሉይ ልኡኽን መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ያኮብ ኤል ሂሎ ከምዝበልዎ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ሊብያን ብጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር ዝምራሕ ሓይልን ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ንፁሃን ዜጋታት ንሞት መሰረተ ልምዓት እታ ሃገር ድማ ንዕንወት ይቃላዕ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ናብ ሊብያ ዘምርሑ ኤል ሂሎ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ንፁሃን ዜጋታት ሊብያ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ኲናት መጥቃዕቲ ይበፅሖም ከምዘሎ ገሊፆም።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ዙርያ ዋና ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ነፋሪት ድማ ብርክት ዝበሉ ህፃናት ዝርከብዎም ንፁሃን ዜጋታት ንሞት ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ።

ብዜካ እዚ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብዝተፈፀመ 57 መጥቃዕትታት ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ 13 ትካላት ጥዕናን 47 ሰራሕተኛታት እተን ትካላትን ሓደጋ ከምዝበፅሐ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።