መርሃ ግብሪ ዉሕስና ምግቢ ከተማታት ትግራይ ኣብ 6 ከተማታት ንምጅማር ምድላዋት ተወጊኑ

መቐለ 28 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ከተማ መቐለ ብብርኪ ፈተነ እናተተግበረ ዝፀንሐ መርሃ ግብሪ ዉሕስና ምግቢ ከተማታት ኣብ ካልኦት 6 ከተማታት ንምጅማር ምድላዋት ከምዝተወገነ ኤጀንሲ ትካላት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ዉሕስና ምግቢ ከተማታትን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ክኢላ መደብ ዉሕስና ምግቢ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ተካ ተኽለ ከምዝገለፅዎ እቲ መርሃ ግብሪ ካብ 2009ዓ.ም ጀሚሩ ብብርኪ ፈተነ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ እናተተግበረ ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ ሐዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ድማ ከተማታት ዓድዋ ፣ ኣኽሱም ፣ ሽረ ዓብዪ ዓዲ ፣ ዓድግራትን ኮረንምን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝካተታ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝቕፅሉ 3 ዓመታት ኣብ 7 ከተማታት ትግራይ ንዝትግበር መርሃ ግብሪ ዉሕስና ምግቢ መፈፀሚ ዝዉዕል 250ሚልዮን ቅርሺ ከምዝተመደበ አዉን ኣይተ ተካ ገሊፆም እዮም።

ኣብተን ከተማታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኣታቶ መርሃ ግብሪ ዉሕስና ምግቢ 15ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ከምዝኸዉን ተገሊፁ ኣሎ።

ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ልቃሕ 80ሚልዮን ቅርሺ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ብዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 14 ሽሕ ሰባት ብቐጥታዊ ሓገዝን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብምስታፍን ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ እቶም ክኢላ ኣረዲኦም እዮም።