ሕገ መንግስቲ ዝፈቅዶ ሕቶ ብምሕታትና

ሕገ መንግስቲ ዝፈቅዶ ሕቶ ብምሕታትና ኣብ ልዕለና መንነትና መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ይበፅሓና ኣሎ - ተወለድቲ ማሕበረሰብ ቅማንት
-------------------------------------
ተመሃሮ ዩኒቨረስቲ ኣክሱም ተወለድቲ ማሕበረሰብ ቅማንት ሕገ መንግስቲ ኢትዮያ መሰረት ብምግባር ዘቅረብናዮ ሕቶ ንዘይምምላስ ኣብ ልዕለና ከበድቲ ዝኮኑ ወፅዓታት ይበፅሓናን ንገላታዕን ኣለና ይብሉ።
ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓረስታይ ዘፍረዮም ምህርቲ ንምስብሳብ ይኩን ተመሃሮ ከይመሃሩን ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ከይኣትዉ ኢኮነሚያውን ማሕበራውን ምንቅስቃስ ደውኢሉ ከቢድ ዝኮነ ስእነት ሰላም ሰፊኑ ሕብረሰብ ኣደዳ ሞትን ስቃይን ይኮን ኣሎ።
ንሕና እውን ከም ተመሃሮ መጠን ክንመሃር ናብ ዝበፅሓና ዩኒቨረስቲ ክንከይድ እንትንብል ዘየድልዩ ንፖለቲካዊ መክሰብ እናተባህለ ናብ ዩኒቨረስቲታት ትግራይ ኣክሱምን ዓድግራትን ክንከይድ እንትንብል መታወቅያና እናተራእየ ተወለድቲ ቅማንት ብምካንና ጥራሕ ኣደዳ እስራትን መውቃዕትን ኮይንና ብጅምላ ኣብ መኪና እናሃለና ከቃፁሉና ይኩን ብተወሳኪ እውን ናብ ጣሻ ወሲዶም ክንቀትለኩም ኢና እናተባሃልና መከላከሊ ሃገር ጥቆማ በፂሕዎ ሂወትና ክድሕንን ናብ ዝተመደብናሉ ዩኒቨረስቲ ክንመፅእን ኪኢልና ኣለና።
ካልኦትና እውን ክሳብ 5ተ መዓልቲ ኣብ ደስ ዝበሎም ከባቢታት እናወሰዱ ኣሲሮም ተሳቂና ቡዙሕ መግረፍቲ በፂሑና እዩ። ሕዚ እውን ግን ዘይመፁ መሓዙትና ኣለዉ። ንሕና ሓንሳእ መፂና ኣለና ወለድና፣ ኣሕዋትና ብሓፈሻ እቲ ኣብቱ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ኣብ ከቢድ ጭንቅን ፀበባን እዩ ዘሎ መንግስቲ ነዚ ቅልጡፍ መፍትሒ ክህበሉ ይግባእ።
ኣብ መገዛ ሃገርና ህዝቢ ቅማንት ከም ህዝቢ ብመንነትና እናተጨፍጨፍና ሚድያታት ድምፂ ህዝቢ ከይስማዕ ዝበፅሓና ዘሎ ግፍዕን መቅተልትን ተዓፊንና ኢና። ብኣንፃሩ ድምፂ ህዝቢ ንዝኮና ሚድያታት ዘየድሊ ሓሳባት ይብተኑ ኣለዉ።
እቲ ሓቂ ግን ናብቲ ናብቲ ዝበሃል ዘይኮነስ ኣብዚ ክልል ሕግን ሕግን መሰረት ገይርካ ዘይኮነስ ሕውስውስ ዝኮነ ኣካይዳ ብምህላዉ ህዝቢ ቅማንት ከቢድ ዝኮነ ወፅዓ ይበፅሓና ኣሎ።
ነዚ ሓቂ መከላከሊ ሰራዊት ኣትዩ ኣረጋጊፅዎ ኣብ ጎንና ኮይኑ እውን ንሕና ናብ ዝተመደብናሉ ዩኒቨረስቲ ክንመፅእ ኪኢልና እንበር ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ስልጠና ክትስልጥኑ ኢኩም ትከዱ ዘለኩም ኣይትከዱን ተባሂልና ተዓፂና ኢና ነይርና።
ስለዚ ህዝቢ ቅማንት ሓድነት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምጥንካር ምስ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ሕዚ ግን ብሰንኪ መንነቱ ክጭፍጨፍ እንከሎ ህዝቢ ኢትዮያ ኣብ ጎኒ እዚ ውፁዕ ህዝቢ ኮይኑ ንዝበፅሖ ወፅዓ ዓገብ ክብል ይግባእ። መንግስቲ እውን ቅልጡፍ ሰላማዊ ብዝኮነ መንገዲ ዝፍተሓሉ ኩነታት ክፈጥር ንፅውዕ ኢሎም።
ክብሮም ኪሮስ #ድወት