መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝጀመሮ ቪዛ ኤሌክትሮኒክስ 200 ሸሕ ተሳፈርቲ ኣተኣናጊዱ

መቐለ 07 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝጀመሮ ቪዛ ኤሌክትሮኒክስ 200 ሸሕ ተሳፈርቲ ከምዘተኣናገደ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብ 2017 ዓ/ም/ፈ ኣገልገሎት ኤሌክትሮኒክስ ቪዛ ምጅማሩ ሲዒቡ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበረ ብዝተፈለየ መንገዲ በረራ ንዑደተኛታት ወፃኢ ክፉት ከምዝገበረ ድማ ተሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ ዑደተኛታት ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፍለ ዓለም ኮይኖም እቲ ኣገልግሎት ብምጥቓም ብቐሊሉ ናብዛ ሃገር ክኣትዉ ኪኢሎም እዮም።

ከም ፀብፃብ ኢዜኣ ነዚ ስዒቡ ካብ 217 ሃገራት በዚ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ዝኮኑ 200 ሽሕ ዑደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከም ዝገበሩ ንምፍላጥ ተካኢሉ።