ኣብ ኢትዮጵያ ብ220ሚልዮን ዶላር ዝተሃነፀ ፋብሪካጨርቃ ጨርቂ ቻይና ተመሪቑ

መቐለ 09 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኩባንያ ጨርቃ ጨርቂ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ብ220ሚልዮን ዶላር ዘህነፆ ፋብሪካ ተመሪቑ ስሩዕ ስርሑ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ዘፍርዮም ምህርትታት ምሉእ ብምሉእ ናብ ዕዳጋ ዓለም ብፍላይ ድማ ናብ ኣውሮፓ ፣ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤስያን ካልኦት ዕዳጋታትን ሰደድ ንምግባር መደብ ከምዘለዎ ዥነዋ ሓቢሩ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ዛንግ ሸንግሚንግ ንዥነዋ ከምዝሓበሩሉ እቲ ኣብ 51 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ፋብሪካ ብምሉእ ዓቕሙ ስራሕ እንትጅምር 300ሽሕ ምህርትታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን 100ሽሕ ምህርትታት ናይ ምፍራይ ዘለዎ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ምዃኑ ዝሓበሩ ዛንግ ሸንግሚንግ ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት እቲ ፋብሪካ ምስተዛዘመ ን3500 ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም።