መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቤንጋሉሩ በረራ ጀሚሩ

መቐለ 17 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ቤንጋሉሩ ቀጥታ በረራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ማእኸል ቴክኖሎጂ ዝኾነት ከተማ ደቡብ ህንዲ ቤንጋሉሩ ቀጥታ በረራ ምጅማሩ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ተዛሪቦም።

ነዚ ስዒቡ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ህንዲ ካብ ዘካይዶ በረራ ከተማ ቤንጋሉሩ ካብ ዳልሃን ሙምባይን ቀፂላ ሳልሰይቲ መዕረፊት ከተማ ኾይና ኣላ።

እቲ በረራ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰሙን ን4 መዓልትታት ዝካየድ እንትኾን ኣብ ቐፃሊ ናብታ ከተማ ዝግበር በረራ በቢ መዓልቱ ክኸውን ተሓሲቡ ከምዘሎ ኣይተ ተወልደ ሓቢሮም ከምፀብፃብ FBC።