ኣብ ሃገርና ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት ፓን ኣፍሪካ ጥዕና የድሊ ተባሂሉ

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ተበፃሕነት ጥዕና ንምፍታሕ ኣብ ዙርያ ዓውደ ጥዕና ዝሰርሕ ኢንስቲትዩት ፓን ኣፍሪካ ጥዕና ማሕበረሰብ ምህናፅ ከምዘድሊ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣህጉረ ኣፍሪካ ጥዕና ማሕበረሰብ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ለውጢ የመዝግብ ከምዘሎ ዝገለፀ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን እምበር ብለበዳ ዝለዓሉ ፀገማት ጥዕና ሐዚ እውን ስግኣት ማሕበረሰብ ምዃኖም ገሊፁ።
ሃገራት ኣፍሪካ ነዞም ዝርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተጠናኸረን ዝተወደበን ዓቕሚ የድልየን ዝበለ እቲ ሕብረት ነዚ ንምትግባር ዘኽእል ባጀት ምምዳብ እውን ትኹረት ዘድልዮ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ከም በዓል ኢቦላን ካልኦት ፀገማት ጥዕናን ኣብ ጥዕና ማሕበረሰብን ኩለመደያዊ ዕቤት ኣፍሪካን ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድሩ ከምዘለው ድማ ተሓቢሩ።