ፕረዝደንት ዶናልድ ትራመፕ 2 ሚልዮን ዶላር ክቅፅዑ ተፈሪድዎም

መቐለ 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገንዘብ ትራምፕ ፋውንዴሽን ንፖለቲካዊ ረብሓ ኣውዒሎም ብዝብል ክሲ ክልተ ሚልዮን ዶላር ክቕፅዑ ተፈሪድዎም።

ትራምፕ ፋውንዴሽን ንስራሕቲ ምግባረ-ሰናይ ክውዕል ዝተጣየሸ ዘይፖለቲካዊን ዘይንግዳውን ትካል እንትኸውን ብሕጊ ኣሜሪካ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ክሳተፍን ኢዱ ክሓውስን ኣይኽእልን። ይኹን’ምበር ኣብ 2016 ከምኣቆፃፅራ ፈረንጂ መንበረ ስልጣን ዋይት ሃውስ ዝተረከቡ ዶናልድ ትራምፕ “ትራምፕ ፋውንዴሽን”ዝሰመይዎ ትካሎም ንምልዕዓል መረፃ ኣውዒሎምዎ ዝብል ክሲ እናቐረበሎም ፀኒሑ እዩ።

ዳይና ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ሌቲትያ ጀምስ ከምዝበልኦ ትራምፕ ብትኽክል ገንዘብ ትራምፕ ፋውንዴሽን ንፖለቲካዊ ዕላማ ኣውዒሎምዎ እዮም ብምባል 2 ሚልዮን ዶለር ክቕፅዑ ፈሪደን ኣለዋ።

ንትራምፕ ፋውንዴሽን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዳይሬክተርነት ዝመርሑ ሰለስተ ደቆም እውን ብዛዕባ እንታይነት ትካል ምግባረ ሰናይ ስልጠናን ትምህርትን ክወስዱ ኣዚዘን ኣለዋ። እቲ ቅፅዓት ካብ ውልቀ ሃፍቲ ትራምፕ ክወስድ ዝኣዘዛ እተን ዳይና ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዋላ ሓንቲ ርክብ ንዘይብሎም ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ትካላት ከምዝከፋፈል ንምፍላጥ ተኻኢሉ።