ኢራን ተፍርዮ ዘላ ኑኩሌር ስግኣት ዓለም’ዩ ተባሂሉ

መቐለ 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኢራን ተፍርዮ ዘላ ኒኩሌር ስግኣት ዓለም ብምዃኑ ፀቕጢ ክግበረላ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ትካል ኣቶሚካዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካብ ዝነበሮ ማዕቀብ ወፃኢ ኢራን ሓይሊ ኒኩሌር ተስፋሕፍሖ ከምዘላ ምግላፃ ስዒቡ ብፍላይ ኣሜሪካ ኣብ ሓያል ስግኣት ከምዘላ ብማይክ ፓምፕዮ ኣቢላ ንዓለም ጥርዓን ምቕራባ ቐፂላ ኣላ።

ፓምፕዮ ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝበልዎ ኢራን ንምምዕባል ሓይሊ ኒኩሌር ቆሪፃ ተላዒላ ኣላ፣እዚ ድማ ኣዕናዊ ተግባር ብምዃኑ መንግስቲ ዓለም ፀቕጢ ክገብሩላ ኣለዎም ኢሎም።

እቲ ተግባር ኣብ 2015ዓ.ም.ፈ ንዝተገበረ ስምምዕ ፀረ-ኒኩሌር ዝጥሕስ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልፁ፤ከምፀብፃብ ኣልጀዚራ።