ኣብ ናይጀርያ ዘይተፈለጠ ሕማም 15 ሰባት ቐቲሉ ተባሂሉ…

መቐለ 04 ለካቲት 2012(ድወት) ኣብ ናይጀርያ ዝተርኣየ ሓዱሽ ዘይተፈለጠ ሕማም 15 ሰባት ከም ዝቐተለ ተገሊፁ።

ማእኸል ቁፅፅር ሕማም እታ ሃገር ዕላዊ ከም ዝገበሮ እቲ ሚስጥር ኮይኑ ዘሎ ሕማም ክሳብ ሕዚ 15 ሰባት ክቐትል እንከሎ ካልኦት 100 ድማ በቲ ሕማም ከም ዝተተሓዙ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ንዓቐብ ንቑልቁል ምባል፣ ሕበጥ ገለ ካብ ምልክታት እቲ ሕማም እንትኾኑ ፈላማይ ተርእዮኡ ድማ ኣብቲ ዝዛዘምናዮ ወርሒ ጥሪ ምዃኑ እዩ ተገሊፁ።

እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር ኣብ ክልል ቤኑን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዋና ከተማ እታ ሃገር ኣቡጃን ከም ዝተርኣየ እዩ ተገሊፁ።

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክቐትል ከም ዝኽእል እዮም ዕላዊ ገይሮም ዘለዉ።

እቲ ሕማም ኣብ ቤተ ፈተነ ተመርሚሩ ናይ ኢቦላ ይኹን ናይ ኮሮና ቫይረስ ምምስሳል ወይ ምልክት ከም ዘይብሉ እውን እናተወግዐሉ እዩ ዝርከብ።

ኣብዚ እዋን ሕሙማን ንምእላይ ሓደ ሕክምናዊ ማእኸል ከም ዝተዳለወ ድማ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።