ሕማም ኢቦላ ሐዚ እውን ስግኣት ጥዕና እዩ - ውድብ ጥዕና ዓለም……..

መቐለ 05 ለካቲት 2012(ድወት) ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝረአ ዘሎ ሕማም ቫይረስ ኢቦላ ሐዚ እውን ስግኣት ማሕበረሰብ እዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

ይኹን እምበር በቲ ሕማም ቁፅሪ ዝሞቱን ሓደሸቲ ዝጥቅዑን ምንካይ የርኢ ከምዘሎ ድማ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝገለፆ ሽሕኳ በቲ ቫይረስ ሓድሽቲ ዝጥቅዑን ዝሞቱን ምንካይ የርኢ እንተሃለወ ዋላ ሓደ ሰብ ምልክት እቲ ሕማም እንተተራእዩሉ ግን ስግኣት ጥዕና ማሕበረሰብ ዓለም ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ምብራቓዊ ክልል ድማ ሐዚ እውን ሓደሽቲ ምልክታት እቲ ቫይረስ ዝሓዞም ሰባት ከም ዝተርኣዩ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምግላፆም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ይኹን እምበር እቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ክጠፍእ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።