በዓል 11 ለካቲት ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ብድምቀት ተኸቢሩ…

መቐለ 05 ለካቲት 2012(ድወት) ህዝቢ ወረዳ ፀለምቲ ሕራንኡን ንመኸተ ዘለዎ ድልውነትን ብምኽንያት መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣብ ከተማ ማይፀብሪ ብዘካየዶ ሰልፊ ኣረጋጊፁ 'ሎ፡፡

ኣብቲ በዓል ብምስታፍ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ተወከልቲ ህዝቢ ኣምሓራ(ዓዲኣርቃይ)ን ስደተኛታት ኤርትራን ተሳቲፎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም።

ኣብቲ በዓል ብምስታፎም ክብሪ ከምዝስመዖም ዝገለፁ ተወከልቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ዝፅዕሩ ዘለዉ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ረብሓኦም ዝተተንከፎም ሓይልታት ትምክሕትን ፅግዕተኛታትን 'ምበር ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ፈሊኻ ዘይትፈልዮም ደለይቲ ሰላምን ሕውነትን ኣሓት ህዝብታት እዮም ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ቐደሙ 'ውን ሓደ ህዝቢ እዩ ዝበሉ ኤርትራውያን ብወገኖም እዚ በዓል ናትና በዓል 'ውን 'ዩ ኣብ ቁርፂ እዋን ንዝሓብሐበና ህዝቢ ትግራይ ካብ ልቢ ነመስግን ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኣከባብራ በዓል 11 ለካቲት ኣብ ከተማታት ዓብይ ዓዲን ጭላን!!

ካብ ዓብይ ዓድን ከባቢኣን ዝኸተቱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምርኢት ብምቕራብ ነቲ በዓል ብድምቀት ኣኽቢሮምዎ እዮም።