ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ን26 ስድራ ስውኣት ሓገዝ ሂቡ…….

መቐለ 06 ለካቲት 2012(ድወት) ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ን26 ስድራ ስውኣት ሓገዝ ሂቡ።

ሰራሕተኛታት እቲ ቢሮ ትማሊ በዓል 11 ለካቲት ዘኽበሩ እንትኾኑ ኣብቲ እዋን ካብ ኩለን ክፋላተ ከተማ መቐለ ንዝተውፃእፅኡ 26 ስድራ ስውኣት ነንሕድሕዶም 2 ኩንታል ጣፍን ስርናይን ሓደ ኮቦርታን 10 ሊትሮ ዘይትን ሂቡ ኣሎ።

ኣብቲ በዓል መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቡ እቲ ቢሮ መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ብርክት ዝበሉ ልምዓታዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ዕቀባ ሓመድን ማይን እዚ ዓመት እውን ንልምዓትን መኸተን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተጠናኸረ መንገዲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ተሳትፍኡ ንከሕይል ፀዊዖም።