ኣመንቲ ሃይማኖት ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክጥንቀቑ ይግባእ ተባሂሉ….

መቐለ 15 መጋቢት 2012(ድወት) ኣማኒ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብስግኣት ቫይረስ ኮሮና ናይ ባዕሉ ይኹን ናይ ወፃኢ ዜጋታት ብዘይምግላል ኢትዮጵያዊ ጭዋነቱ ከርኢ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፀዊዓ።

ኣመንቲ ዓርሶም ካብ ቫይረስ ኮሮና ብምሕላው በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑን ካብቲ ሕማም ድሒኖም ዝወፁን ከምኡ እውን ዜጋታት ወፃኢን ብዘይምግላል ኢትዮጵያዊ ጭዋነቶም ከርእዩ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ሓቲታ።

እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም እናተስፋፈሐ ንዝመፀ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ተኸተልቲ እቲ እምነት ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ ኣመልኪታ መግለፂ ሂባ ኣላ።

በዚ ድማ እቲ ቀዋሚ ሲኖዶስ ክፍኣት እቲ ሕማም ኣብ ግምት ብምእታው 13 መምርሒታት ንኣገልገልቲ ኣብያተ ክርስትያንን ንተኸተልቲ እቲ እምነትን ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ፓትሪያረክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ከም ዝገብርዎ ነኒሕድሕድኻ ምስዕዓምን ምጭብባጥን ብምትራፍ ካልኦት መንገድታት መለዋወጢ ሰላምታ ክኽተሉ፣ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ስርዓተ ቅዳሰ ኣብ ቤተ መቅደስ ብካህናት ጥራሕ ክፍፀምን ካልኦት ኣገልገልቲ እውን ተረሓሒቖም ጠጠው ብምባል ከገልግሉን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ለበዳ ካብ ዓለም ክሳብ ዝጠፍእ ካህናት ኣብ ዙርያ ቤተ መቅደስ፣ኣብ ዓውደ ምህረትን ኣፀደ ቤተ ክርስትያን ፀሎተ ዕጣን ክዓጥኑ ድማ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዝተውሃቡ መምርሒታት እቲ ለበዳ ክሳብ ዝጠፍእ ዝፀንዑ ከም ዝኾኑን ቤተ ክርስትያን ካብ ዘይውክሉን ትኽክል ዘይኮኑ ሓበሬታታትን ብምቑጣብ ኣገልገልቲ እቶም መምርሒታት ክፍፀሙ ከም ዝተወሰነ ድማ ኢዜኣ ፀብፂቡ።