ኣሜሪካ ቐንዲ ማእኸል ሕማም ቫይረስ ኮሮና ከይትኸውን ዘስግእ እዩ-ውድብ ጥዕና ዓለም

መቐለ 16 መጋቢት 2012(ድወት) ኣሜሪካ ቐንዲ ማእኸል ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክትኸውን ከምትኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ቕልጡፍ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ዋሽንግተን ቐንዲ ማእኸል ቫይረስ ኮሮና ክይትኸውን ዘስግእ እዩ ክብል ድማ ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም በዚ ድማ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣሜሪካ ካብ ገዛ ከይንቐሳቐሱ ተጌሩ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ወሃቢት ቓል ውድብ ጥዕና ዓለም ማርጋሬት ሃሪስ ከምዝበለኦ ኣብ ኣሜሪካ ዝረአ ዘሎ ቕልጡፍ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና እታ ሃገር ሓዱሽ ቐንዲ ማእኸል እቲ ሕማም ከይትኸውን ዘስግእ እዩ ክብላ ድማ ሓቢረን።