50 ወታሃደራት ናይጀርያ ብቦኮ ሓራም ተቐቲሎም ተባሂሉ……

መቐለ 16 መጋቢት 2012(ድወት) ጉጅለ ኣሸባሪ ቦኮ ሓራም ብውሕዱ 50 ወታሃደራት ናይጀርያ ከምዝቐተለ ገሊፁ።

እቲ ኣብ ሓንቲ ወታሃደራዊት ተሽከርከሪት ብዝተፀመደ ነታጒ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 50 ወታሃደራት ናይጀርያ ካብ ቐረባ እዋናት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ኣሸባሪ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ዮቤ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ሐዚ እውን ቐንዲ ስግኣት ሰላምን ፀጥታን እታ ሃገር ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ወሃቢ ቓል ወታሃደራት ናይጀርያ ጆን ኢነንቼ ብወገኖም እቲ ጉጅለ ሐዚ እውን ናይጀርያውያን ብሓባር ክቃለዕዎ ፀዊዖም።