ቫይረስ ኮሮና ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓብይ ፈተና ህዝቢ ዓለም ኮይኑ ኣሎ…

መቐለ 17 መጋቢት 2012(ድወት) ቫይረስ ኮሮና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓፈሻ ንሰብኣዊነት ዓብይ ፈተና ኮይኑ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ።

ቅልውላው ጥዕና ኣጋጢምወን ንዘሎ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት መሐገዚ ዝውዕል 2 ቢልዮን ዶላር ክልገስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተማሕፂኑ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ንሰብኣዊነት መሐገዚ ዝውዕል 2 ቢልዮን ዶላር ንክልገስ ፃውዒት ከም ዘቕረቡን እዚ እውን ኣብ ሃገራት ስፔንን ጣልያንን ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ስዒቡ ከም ዝኾነ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኮቪድ-19 ብሓፈሻ ንሰብኣዊነት ዓብይ ፈተና ኮይኑ ምህላውን ኣንፃር እቲ ቫይረስ ንምምካት ድማ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር ክቃለሶ ከም ዝግባእን ጉተሬዝ ኣተሓሳሲቦም።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነቲ ሓደገኛ ስግኣት ጥዕና ዓለም ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል መተኣኻኸቢ እቶት ከም ዘጣየሸን እዚ እውን ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ለበዳ እቲ ቫይረስ ብዝለዓለ ቁፅሪ ተስፋፊሑ ምሃላውን ስዒቡ ከም ዝኾነ እዩ ተመልኪቱ ዘሎ።