ኬንያ ካብ ደገ ኣብ ዝኣትው ልባስ ክዳውንቲ ማዕቐብ ኣንቢራ……

መቐለ 17 መጋቢት 2012(ድወት) ኬንያ ካብ ደገ ይኣትው ብዘለዉ ልባስ ክዳውንቲ ቫይረስ ኮሮና ከይመሓላለፍ ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘሕደረት ገሊፃ።

መንግስቲ ኬንያ ብቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝኣቱ ዘሎ ልባስ ኣጭርቕቲ ኣብ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ዝለዓለ ግደ ክህልዎ ስለዝኽእል ነጋዶ ልባስ ኣጨርቕቲ ናብ ኬንያ ከየእትው ማዕቐብ ኣንቢራ ኣላ።

ዋና ፀሓፊ ካቢኔ ንግድን ኢንዳስትሪን እታ ሃገር ቤቲ ማይና ነጋዶ ካብ መፍረይቲ ዓለባ ውሽጢ ዓዲ እምበር ሰብ ዝተኸደኖም ልባሳት ክዳውንቲ ካብ ደገ ንዘምፅኡን ዘከፋፍሉን ነጋዶ ግና መንግስቲ ከም ዘየተባብዕ ገሊፀን።

ኣብ 2019 ዓ/ም/ፈ ጥራሕ ኬንያ ካብ ደገ 100 ሽሕ ቶን ልባሳት ክዳውንቲ ከም ዘእተወትን በዚ እውን ብርክት ዝበለ ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረሉን ፀብፃብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።

ይኹን እምበር ካብ ደገ ብሕሳር ዋጋ ዝኣትዉ ልባሳት ክዳውንቲ ኣብ ቀፃልነት ዕቤት ሓንቲ ሃገር ዝለዓለ ጉድኣት ከም ዘለዎን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ዓለባ ክህነፃ ድማ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ክረባረቡን ይግባእ ተባሂሉ ኣሎ።

ብዝኾነ ሰብ ዝተኸደኖም ክዳውንቲ ካብ ደገ ብምምፃእ መሊስካ ምኽዳን ንቫይረስ ኮሮና ከቃልዕ ከም ዝኽእል እዩ መንግስቲ ኬንያ ንዜጋታቱ ኣጠንቒቑ ዘሎ።