ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨናፍር ዓድግራት ንፅጉማት ሓገዝ ሂቦም

መቐለ 12 ግንቦት 2012(ድወት) ኣብ ከተማ ዓድግራት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብልዕሊ 50 ሽሕ ቅርሺ ዝዓደጉዎም ሸቐጣት ምግቢ ንፅጉማት ነበርቲ እታ ከተማ ብሓገዝ ኣከፋፊሎም።

ተወካሊ እቶም ሰራሕተኛታት ኣይተ ሃፍቱ ገ/ማርያም ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝበሉዎ ኣብታ ከተማ ኣብ 4 ጨናፍር እቲ ባንኪ ንመውዓሊ በዓል ማርያም ጉንበር ተመፃቢዖምዎ ዝነበሩ ልዕሊ 50ሽሕ ቅርሺ ዝዋግኦም ዝተፈላለዩ ምግብታት ንዝተፀገሙ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣከፋፊሎም ኣለዉ።

እቲ ብሓገዝ ዝተኸፋፈለ ምግቢ 10 ኩንታል ፊኖ፣2 ኩንታል ሩዝ፣ 2 ኩንታል ሞኮሮኒ ፣39 ሊትሮ ዘይትንብጥረ ገንዘብን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ዓድግራት ዝነብሩ ኣባላት እድር መድሃኒኣለም ዘዋፅእዎ 20ሽሕ ቅርሺ ንኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮሮና እታ ከተማ ብሓገዝ ከምዝሃቡ ተወካሊ እቲ እድር ኣይተ ብርሃነ ገ/ማርያም ሓቢሮም።