ኣሜሪካ ኣብ ዉድብ ጥዕና ዓለም ለውጢ እንተዘይመፅዩ ዝህቦ ሓገዝ ከቋርፅ እየ ምባላ ትኽክል ኣይኮነን - ምሁራን

መቐለ 12 ግንቦት 2012(ድወት) ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዉድብ ጥዕና ዓለም ለውጢ ኣሰራርሓ ንክመፅእ ዝጠልብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ገሊፆም።

ዶናልድ ትራምፕ ዉድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልታት ርኡይ ምምሕያሽ ንኽግበርን እንተዘይኮይኑ ግን ኣሜሪካ እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ከምእተብልን ምጥንቃቖም ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ተቓዉሞኦም ይገልፁ ኣለዉ።

ምሁር ዓለም ለኸ ሕጊ ጥዕና ፕሮፌሰርላውረንስ ጎስቲን ብዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋና ዳይረክተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ዝተልኣኸ ደብዳበ ሓደ ብጉልበቱ ዝተኣማመን ሰብ ዝፍፅሞ ምፍርራሕን ፍፁም ግጉይን ምዃኑ ገሊፆም።

ካልኦት ምሁራን እዉን ብተመሳሳሊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብፍላይ ኣብ ኣሜሪካ ዘብፅሖ ከቢድ ፀገም ብጌጋ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እምበር ብጌጋ ዉድብ ጥዕና ዓለም ከምዘይኮነ እዮም ኣረጋጊፆም ዘለዉ ዥንዋ ከምዝፀብፀቦ።