ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ዘድሊ ቅድመ ምድላው ይግበር ኣሎ ተባሂሉ

መቐለ 13 ግንቦት 2012(ድወት) ከጋጥም ንዝኽእል ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ዘድሊ ቅድመ ምድላው ይገብር ከምዘሎ መምርሒ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ዝራእቲ እቲ መምርሒ ኣይተ በርሀ ብርሃኑ ከምዝበሉዎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ከም ክልል ብስፍሓት ከጋጥም ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሕርሻ እናገለፁ እዮም።

ስለዝኾነ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ወራር ዕስለ ኣምበጣ ከምዞባ ምብራቕ ትግራይ ንምክልኻል ካብ ወረዳ ክሳብ ጣብያ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ በርሀ ብርሃኑ ሓረስቶት እዉን ዝግባእ ፍልጦ ክህልዎም እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ምስ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት እዉን እቲ ከጋጥም ዝኽእል ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል እናሰራሕና ኢና ዝበሉ እቶም በዓል ሞያ እቲ ዩኒቨርሲቲ ደገፍ ገንዘብ ፣ስልጠናን ናውቲ መንፀጊን ንምሃብ ድሉውነት ኣርእዩ ከምዘሎ ገሊፆም።