ሶማልያ ቫይረስ ከሮና ንዝተፈላለዩ ፀገማት ከቃልዓ ይኽእል እዩ-ዉ/ሕ/መ

መቐለ 14 ግንቦት 2012(ድወት) ሶማልያ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንብርክት ዝበሉ ፀገማት ከቃልዓ ከምዝኽእል ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኣጠንቂቑ።

ብምኽንያት እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ሓገዛት ብምቁራፆም ብቐሊሉ ንቑጠባዊን ሰብኣዊን ቅልውላው ክትቃላዕ ከምእትኽእል እዩ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ ዘሎ።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ዜጋታት ሶማልያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ዝገለፀ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ካብዚኦም ብፍላይ እቶም 2.6 ሚልዮን ሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከቡ እዩ ዝገልፅ።

ኣስታት 1 ሚልዮን ዝኾኑ ሶማልያውያን ብምዕልቕላቕ ዉሑጅ ከምዝተጎድኡ እዉን እቲ ዉድብ ኣመልኪቱ ኣሎ።

እታ ሃገር ካብዚ ብተወሳኺ ወራር ኣምበጣ እዉን ስግኣት ከምዝፈጠረላ ዝገለፁ ፍሉይ ልኡኽ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማልያ ጄምስ ስዋን ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር ከምዝደስከለ እዉን ሓቢሮም እዮም።

ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ንመንግስቲ እታ ሃገር ንምሕጋዝ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ዋላኳእንተኾነ ሐዚ እዉን እታ ሃገር ከቢድ ሓደጋ ኣንፀላልዩዋ ኣሎ ክብሉ ጄምስ ስዋን ገሊፆም እዮም ከም ፀብፃብ CGTN Africa።