ሚኒስቴር ጥዕና ካብ ሓደ ኩባንያ ቻይና ናውቲ መመርመሪ ኮሮና ቫይረስ ተረኪበ ኢሉ

መቐለ 14 ግንቦት 2012(ድወት) ሚኒስቴር ጥዕና ፋውንዴሽን ቴንሴንት ዝተብሃለ ኩባንያ ቻይና ዝለኣኾም መመርመሪ ናውቲ ኮሮና ቫይረስ ከምዝተረከበ ተገለፁ።

ብዋናነት ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝተዋፈረ ፋውንዴሽን ቴንሴንት በዓል ዋና ዊ ቻት ዝተብሃለ ፍሉጥ ማሕበራዊ ሚድያ ኮይኑ ንኢትዮጵያ 100ሽሕ መመርመሪ ናውቲን 2 ሚልዮን ጓንትታት ሕክምናን ብሓገዝ ከምዝለኣኸ ተሓቢሩ ኣሎ።

ነቲ ሓገዝ ድማ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኪበን ኣለዋ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ቻይና ታን ጄን ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገሮም ስራሕቲ ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብተናፀል ዘይኮነስ ብሓባር ክኸዉን ከምእትደልን ኣጠናኺራ ከምእትቕፅለሉን ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብወገነን እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዓቕሚ ምርመራ ኢትዮጵያ ኣብ ምስፋሕ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሀን።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኣፍሪካ እናገልገለ ምዃኑ ዝገለፁ ድማ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገ/ማርያም ምዃኖም FBC ፀብፂቡ።