ብሕሳር ዋጋ ዝቐርብ መብራህቲ ሶላር…..

መቐለ ግንቦት 15/2009(ድወት) ሓደ ኣማኻሪ ዲዛይን ብሪታኒያ ኣብ ዓለም ኩሉ ክጠልቦ ዝኽእል መብራህቲ ፀሓይ ንምፍራይ ምስ መፍረዪ ቻይና ተሰማሚዑ።

ኣብ ማንችስተር ማእኸሉ ዝገበረ እዚ ትካል SM100 ዝተብሃለ መብራህቲ ሶላር ዲዛይን ዝገበረ ኾይኑ ኣብ ሃገራት አፍሪካ ብ5ዶላር ጥራሕ ክሽየጥ’ዩ።

እዚ ምስ ይንግሊን ዝተብሃለ ትካል ሓገዝ ሶላር ቻይና ብምትሕብባር’ዩ ማዕቢሉ።

እዚ ዓቐን ኢድ ከምዘለዎ ዝተገለፀ መብራህቲ ሶላር ን8ተ ሰዓታት ሓይሊ መብራህቲ ክህብ ከምዝኽእል ዝተገለፀ ኾይኑ ኣብ ሃገራት ማላዊ፣ ኡጋንዳን ዛምቢያን ዝነብሩ 9ሽሕ ስድራ ፈተነ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

እዚ መብራህቲ ሶላር ኣብ ሃገራት አፍሪካ ብዘይ ሐይሊ መብራህቲ ንዝነብሩ 600ሚሊዮን ሰባት ተጠቀምቲ ክገብር’ዩ። (ቢቢሲ)