ኢትዮጵያ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብምቕባል ቐዳመይቲ ኾይና

መቐለ ግንቦት 17/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብምቕባል ቐዳመይቲ ከምዝኾነት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ።

ኣብዚ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ፈሰስ ካብ ዝተገበረ ካብ ወለድ ናፃ ዝኾነ ውልቀ ሃፍቲ 4.4ቢሊዮን ዶላር ከምዝበፅሐ ቢዝነስ ዴይሊ ፀብፂቡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ማእኸል ማኑፋክቸሪንግ አፍሪካ ንምዃን ዝሓዘቶ ሸቶ ንምዕዋት ዘዳለወቶም ፓርክታት ኢንዳስትሪ ዓለባ፣ ቆርበት፣ መወሃሃዲ ሕርሻን ኣፋውስን መሰረት ዓወታ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ሃገራት ቻይና፣ ኢትዮጵያ፣ ኢንዶኖዢያን ኣሜሪካን ዝመፁ 15 ትካላት መፍረዪ ናብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ምእታዎም ብኣብነት አልዒሉ ዝፀብፀበ ቢዝነስ ዴይሊ እቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ን60ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥርን ኣብ ዓመት 1ቢሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከርክብን ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሩ።

ካብዚ ብዝሰገረ ይብል እቲ ድረ ገፅ ንፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፀሪሑ ኣብ ዝፀብፀቦ ኣብ ኢትዮጵያ ይህነፁ ዘለው 9ተ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ዕብየታ ዘረጋግፁ ክኾኑ’ዮም ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት በብዓመቱ ንለውጢ ዓውዲ ኢንዳስትሪ 1ቢሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ ኢንቨስትመንት ፈሰስ ምግባር ከምትቕፅለሉ ሓቢሩ።

እዚ ኢንቨስትመንት ምህርታት ንግዲ ወፃኢ ምዕባይ፣ ስግግር ፍልጠትን ክእለትን ክህሉ ምግባርን ምህዞ ዕድል ስራሕ ምዕባይን ዕላማ ዝገበረ ምንቅስቓስ’ዩ ክብል’ውን ገሊፁ።