ቑጠባዊ ዕብየት እዚ ዓመት 2.7ሚኢታዊ ክኸውን’ዩ

መቐለ ግንቦት 28/2009(ድወት) ቑጠባዊ ዕብየት ዓለም 2017ዓ.ም.ፈረንጂ 2.7ሚኢታዊ ኾይኑ ከምዝምዝገብ ባንኪ ዓለም ገሊፁ።

እቲ ባንኪ ኣብ ዘውፅኦ ትንበያ ቑጠባዊ ዕብየት ዓለም እዚ ዓመት ኣብ ዓውዲ ማኒፋክቸሪንግን ንግድን ዘሎ ዕብየት ስዒቡ 2.7ሚኢታዊ ኾይኑ ክዓቢ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ኣብዚ ዓመት ዝምዝገብ ቑጠባዊ ዕብየት ተስፋ ዝህብ ኾይኑ ከምዝተርኣየ ይገልፁ በዓል ሙያ ስነ ቑጠባ እቲ ባንኪ ኣይሃን ኮሴ።

ኣብ 2017 ዝተርኣየ ምንቕቓሕ ንግዲ፣ ዝተርኣየ ኣታውን ወፃእን ንግዲ ቻይና ዕብየት ምርኣዩን ጠለብ ምውሳኹን ቑጠባዊ ዕብየት እዚ ዓመት 2.7ሚኢታዊ ክኸውን ገይሮም’ዮም።

ሃገራት ቻይና፣ ብራዚል፣ ሜክሲኮ፣ ህንዲ፣ ኢንዶኖዢያ፣ ቱርክን ሩሲያን 7ተ መሪሕ ቑጠባ ንግዲ ዓለም ከምዝኾና ዝገለፀ እቲ ባንኪ እቲ ቑጠባዊ ምንቅስቃስ ዓለም ክነቓቓሕ ዝገበራ ምዃነን’ውን ኣቐሚጡ።

እዘን ሃገራት ኣብዚ ዓመት ብ4.1ሚኢታዊ ክዓብያ ትፅቢት ዝግበር ኾይኑ ህንዲ ብ6.1ሚኢታዊ ቻይና ድማ ብ6.5ሚኢታዊ ዕብየት ከርእያ ትፅቢት ይግበር።

ብኻልእ ወገን ቑጠባዊ ዕብየት 2018/19ዓ.ም.ፈረንጂ ዓለም 2.9ሚኢታዊ ኾይኑ ክምዝገብ ትፅቢት ይግበር።

ይኹን’ምበር ሐዚ’ውን ግና ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይረአ ዘሎ ዘይምርግጋዕ፣ ሕጊ ስደተኛታት ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ኣታዊ ኣብ ዝኾኑ ምህርታት ዝተቐመጠ ማዕቐብ ኣብ ቑጠባዊ ዕብየት እዚ ዓመት ፅልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ስግኣታት ኢሉ ኣቐሚጡዎም ኣሎ።
(ሲ.ጂ.ቲ.ኤን)