ባርዕ ግሬንፌል-ሸለልትነት ዝወለዶ እዩ ኢሎም ከንቲባ ለንደን ፡፡

መቐለ ሰነ 12/2009(ድወት) ኣብ ህንፃ ለንደን ዘጋጠመ ባርዕ ምክልኻል ዝከኣል ሓደጋ’ዩ ኔሩ ኢሎም ከንቲባ ለንደን፡፡

ኣብ ህንፃ ግሬንፌል ዘጋጠመ ባርዕ ብሸለልትነት ቤት ምክሪ እታ ከተማን መንግስትን ዘጋጠመ ሃገራዊ ዕንወት ብምኳኑ ሃገራዊ ምላሽ’ዩ ዝደሊ ኢሎም ከንቲባ ሳዲቅ ካሃን፡፡

ብመሰረት’ዚ ድማ በቲ ባርዕ ኣባይቶም ዝዓነዎም ነበርቲ ነፍሲ ወከፎም 5ሽሕን 500 ፓውንድ ክወሃቦም’ዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

በቲ ኣብቲ 24 ደብርታት ዘለዎ ህንፃ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ዛጊድ 58 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ’ሎ ክውሰኽ ከምዝክእል ድማ ይግመት፡፡

ከምፀብፃብ ቢቢሲ ተኮይኑ ቁፅሪ መወቲ 70 ክበፅሕ ይክእል’ዩ፡፡፡

ካብቶም ኣብቲ ህንፃ ሃለዋቶም ተሳኢኑ ዘሎ ኢትዮጵያውያን’ውን ይርከብዎም፡፡