65.5ሚሊዮን ሰባት ዓለም ተመዛቢሎም፤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

መቐለ ሰነ 12/2009(ድወት) ኣብ ዓለም ቑፅሪ ዝተሰደዱ፣ ዕቑባ ዝሓተቱ ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ሰባት 65.5ሚሊዮን ከምዝበፅሐ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ 2016ዓ.ም.ፈረንጂ ዝተመዝገበ ቑፅሪ ኣብ 2015ዓ.ም.ፈረንጂ ካብ ዝነበሮ ብ300ሽሕ ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።

እዚ ቑፅሪ ኢሎም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፍሊፖ ግራንዲ ዓለም ሰላም ምፍጣር ከምዘይኽኣለት ዘመላኽት’ዩ።

ነዊሕ ዓመታት ዝፀንሕ ኵናት ምርኣይ፣ ሓደሽቲ ጎንፅታት ምውላዕ፣ ሰባት ብበዝሒ ክመዛበሉ ምኽንያት ይኾኑ ምህላዮም ንኢ ኣለና ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር ውፅኢት ሰላም ንምፍጣር ዝተፀገምናሎም ከምዝኾኑ ክዝንጋዕ የብሉን ኢሎም።

ልዕሊ 84ሚኢታዊ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ማእኸላይ እቶት ዘለወንን ድኻታትን ሃገራት ከምዝነብሩ ድማ ሓቢሮም ኮሚሽነር ግራንዲ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቑፅሪ ዝተመዛበሉ ሰባት 65.6ሚሊዮን ዝበፅሐ ኾይኑ እዚ አብ ብሪታኒያ ካብ ዝነብር ህዝቢ ንላዕሊ ከምዝኾነ ሓበሬታ ኤጀንሲ ስደተኛታት የመልክት።

ካብዚ እቶም ልዕሊ 22ሚሊዮን ስደተኛታት እንትኾኑ ልዕሊ 40ሚሊዮን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዘዛበሉ ካልኦት 2.8ሚሊዮን ድማ ዕቑባ ዝሓቱ ከምዝኾኑ የመልክት።

5.5ሚሊዮን ካብ ሶርያ፣ 2.5ሚሊዮን ካብ ኣፍጋኒስታን፣ 1.4ሚሊዮን ድማ ካብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሃገሮም ብዘሉ ኵናትን ጎንፅን ዝተመዛበሉ ሰባት’ዮም።

ሃገራት ቱርኪ፣ ፓኪስታን፣ ሊባኖስ፣ ኢራን፣ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ነቶም ስደተኛታት ዕቑባ ዝሃባ ሃገራት ከምዝኾና ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት አብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣመልኪቱ ኣሎ።