3.3 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

መቐለ ሓምለ 21/2009(ድወት)ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ በፃሕቲ ዓዲ ወፃኢ 3.3ቢሊዮን ዶላር ከምዝረኸበት ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ከምዝገለፆ ኣብ ውሽጢ 12ተ ኣዋርሕ ካብ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኤዥያን ካልኦትን ልዕሊ 886ሽሕ በፃሕቲ ዓዲ ናብ ሃገርና ብምምፃእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት መስሕብ ቱሪዝም ሃገርና ዑደት ኣካይዶም’ዮም።

ካብቶም በፃሕቲ ዓዲ ዝተረኸበ ኣታዊ ድማ 3.3ቢሊዮን ዶላር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዚ እቲ ሚኒስቴር ምስ ዝተለሞ እንትነፃፀር 88.7ሚኢታዊ ዝፈፀመ ኾይኑ እቲ ዝተረኸበ እቶት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ግና 2.5ሚኢታዊ ምንካይ ኣርእዩ’ዩ።

ኣብ በጀት ዓመት 2008ዓ.ም ናብ ሃገርና ካብ ዝኣተው ልዕሊ 910ሽሕ በፃሕቲ ዓዲ ወፃኢ 3.4ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ምንባሩ እቲ ሚኒስቴር ይገልፅ።
ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ እቶት ንምዕባይ ኩሉ ንሰላም፣ ዕብየትን ለውጥን ሃገሩ ክሰር ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝም ፀዊዑ። (ዋልታ)