4.5 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ኣትዩ

መቐለ ሓምለ 27/2009(ድወት)ሎሚዘበን 4.5 ኪሎ ግራም ወርቂ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ከምዝኣተወ ምምሕዳር እታ ዞባ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ጠማቲ ጉዳያት ማዓድን ኣይተ ካልኣዩ ብርሃነ ከምዝገለፅዎ ካብታ ዞባ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ዝኣተወ ወርቂ 3.6 ቢልዮን ቅርሺ ዋጋ ከምዘለዎ’ዩ፡፡

ካብታ ዞባ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ዝኣተወ ወርቂ ብመልክዕ ሮያልቲ ዝተረኸበ 3.1 ሚልዮን ቅርሺ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ከምዝኾነ ኣይተ ካልኣዩ ሓቢሮም፡፡

ውህሉል ሃፍቲ ወርቂ እታ ዞባ ኣብ እዋን ክራማት ክሳብ 520ሽሕ ኣብ እዋን ሓጋይ ድማ ልዕሊ 50ሽሕ ወገናት እናተረብሕሉ ከምዝርከቡ ዝገለፁ ኣይተ ካልኣዩ እዚኦም ዘፍርዩዎ መጠን ወርቅን ናብ ሃገራዊ ባንኪ ዝኣቲ መጠን ወርቅን ዓብይ ኣፈላላይ ዘለዎ ብምዃኑ ዝፈሪ ወርቂ ሙሉእ ብሙሉእ ፀንቂቕኻ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ዝኣትየሉ ባይታ ንምፍጣር ዝተጠናኸረ ምርብራብ ይግበር ምህላው ኣመልኪቶም፡፡